ኣባላት ስድራቤት ናብ ስዊስ ምምጻእ
ኣብዚ ትነብር እንተኾንካ፡ ቀጥታዊ ኣዝማድካ ወይ መጻምድትኻ እውን ናብ ስዊዘርላንድ ክግዕዝ ክፍቀደሉ ይኽእል እዩ (ምጥርናፍ ስድራቤት፡ Familiennachzug)። ንኣየኖት ኣባላት ስድራቤትካ መመልከቲ ከተቕርብ ትኽእል? እዚ ድማ ኣብ ዜግነትካን መንበሪ ፍቓድካን ይምርኮስ። ንግዚኡ ጥራይ እንተተቐቢልካን ናይ F ፍቓድ እንተሃልዩካን እውን ስድራቤትካ ክስዕቡኻ ይኽእሉ እዮም።
ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት (Migrationsamt) ስድራኻ ክጽንበሩኻ ይኽእሉ ድዮም ኣይክእሉን ይውስን። ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩምን ኣየኖት ሰነዳት ከምዘድልዩኹምን ክሕብረኩም እዩ።
ኣስተውዕሉ፥
ስድራኻ ኣብ ውሽጢ ዝተወሰነ ግዜ ክጽንበሩኻ ከተመልክት ኣለካ። እቲ ወርሓዊ ጽግያት ንህጻናት ካብ ዓበይቲ ይሓጽር፣ ንኣብነት ንመጻምድትኻ።