ንኣይ ወጻኢ / ደገ ናይ መምርሒ / ምዝዋር ተሽከርከርቲ ፍቓድ
ኣብ ስዊስ ክነብር ዝመጽእ እሞ ኣቐዲሙ መምርሒ ፍቓድ ምምዝዋር መኪና (Führerausweis) ዘለዎ: ኣብ ውሽጢ 12 ወርሒ ነቲ ፍቓድ ናብ ናይ ስዊስ ክቐይሮ ኣለዎ። ነዚ ኣብ ቍጽጽር መኪና ሞቶር Basel-Stadt (Motorfahrzeugkontrolle) ናይ ጽሑፍ ጠለብ/ዶማምዳ ከቕርብ ኣለዎ። ከከም መበቖል ሃገር: ናይቲ መምርሒ ፍቓድ ዝተውህበሉ: እቲ መምርሒ ምልዋጥ ፍቓድ ይፈላለ። ኣብ ገሊኡ ናይ ምዝዋር ፈተና ይግበር: ወይ እቲ ሓታቲ ናይ ክልሰ-ሓሳብ ፈተና ክገብር ይሕተት። ቤ/ጽ ቍጽጽር መኪና ሞቶር Basel-Stadt ዝያዳ ሓበሬታ ይዝርግሕ።