ብዛዕባ ሞት ዚገልጽ ምልክታ
ኣብ ስድራኻ ሓደ ሰብ እንተሞይቱ፡ ሓኪም ናይ ሞት ምስክር ወረቐት ክመልእ ኣለዎ። ብድሕሪኡ ነቲ ሞት ናብ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ካንቶን Basel-Stadt ክትሕብሩ ኣለኩም።
እቲ ሰብ ኣብ ሆስፒታል፡ ኣብ መዕበዪ ጡረታ ወይ ኣብ መዕበዪ ኣረጋውያን ይመውት፤
- ኣመራርሓ እቲ ሆስፒታል ወይ ገዛ ነቲ ሞት ናብ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ክሕብር ኣለዎ።
እቲ ሰብ ኣብ ካልእ ቦታ ይመውት፤
- ከም ኣባል ስድራቤት መጠን፡ ነቲ ሞት ናብ ቤት ጽሕፈት መዝገብ ካንቶን Basel-Stadt ክትሕብር ኣለካ።
ኣብ ካንቶን Basel-Stadt ዝነብር ኩሉ ሰብ ብነጻ ቀብሪ ወይ ብሳንዱቕ ቀብሪ ይረክብ።