መንበሪ ፍቓድን ምቕባል ዜግነትን

ንነዊሕ እዋን ኣብ ስዊስ ንምንባርን ንምስራሕን: ሓደ ናይ መንግስቲ ፍቓድ ይድሊ።እዚ ፍቓድ በብዓነቱ ግዝያዊ ፍቓድ ወይ ነባሪ ፍቓድ ተባሂሉ ይፈላለ።

ናይ ፍቓድ ዓይነታት

ዝኾነ ሰብ ኣብ ስዊስ ዝሰርሕ ወይ ልዕሊ 3 ወርሒ ዝቕመጥ: ሓደ መንበሪ/ናይ ስራሕ ፍቓድ የድልዮ። እዚ ካብ ናይ ካንቶን በዓል ስልጣን ስደት (Migrationsamt) ይወሃብ። እዚ ናይ ሓጺር ግዜ መንበሪ ፍቓድ( 1 ዓመት) ወይ ግዚያዊ መንበሪ ፍቓድ ( ንዝተወሰነ ግዜ) ወይ ከኣ ነባሪ/ቀዋሚ (ዘይተወሰነ ግዜ) ፍቓድ ክኸውን ይኽእል ከምኡ እውን ናይ ምስግጋር ዶብ ፍቓድ።

  • ናይ ሓጺር ግዜ መንበሪ ፍቓድ (L):እዚ ፍቓድዚ ንሓጺር ዝተወሰነ ግዜ ( መብዛሕትኡ 1 ዓመት) ንሓደ ፍሉይ መደብ ኣብ ስዊስ ዝጸንሑ ዝወሃብ ኢዩ። መብዛሕትኦም ዜጋታት EU-/EFTA-ሃገራት: ብስራሕ ምኽንያት ንሰልስተ ክሳብ ሓደ ዓመት ( ናይ ስራሕ ውዕል) ዘቕርቡ ዝወሃብ ፍቓድ ኢዩ።
  • ግዝያዊ ፍቓድ (B): እዚ ፍቓድዚ ንዝተውሰነ ግን ነዊሕ ግዜ ዝወሃብ ፍቓድ ኢዩ። መብዛሕትኦም ዜጋታት EU/EFTA- ካብ ሓደ ዓመት ንላዕሊ ክጸንሑ ከምዝኾኑ እንተኣረጋጊጾምን: (ናይ ስራሕ ውዕል) እንተኣቕሪቦም : እዚ ዓይነት ፍቓድ ክወሃቡ መሰል ኣለዎም። እዚ ዓይነት ፍቓድ: ንዜጋታት EU/EFTA-ንሓሙሽተ ዓመት ይወብ። ንካልኦት ግን ንሓደ ዓመት ጥራይ ይወሃብ። ድሕሪዚ ግን መናውሒ ግዜ ፍቓድ ይሕተት። እዚ ናይ ምንዋሕ ሕቶ ቅድመ-ኩት ዘማልአ ክኸውን ኣለዎ ንኣብነት: ናይ ጀርመን ቛንቛ ትምህርታ ስልጠና ንምብጻሕ።ነዚ ንምንዋሕ ረቛሒታት ስለዘየልኡ ኣይፍቀምን እዩ። ናይ መንበሪ ፍቓድ ንከይንዋሕ ዝዕንቅፉ ምኽንያታት: ዕዳ ወይ መቕጻዕቲ ገበን ምስዝህልወካ ወይ ካብ ሓገዝ ሶሽያል ተጠቃማይ እንተኮንካ። እቲ ናይ መንበሪ ፍቓድ ንልዕሊ ሽዱሽተ ወርሒ ብዘይምቍራጽ ኣብ ወጻኢ ሃገር እንተ ጸንሐ ኢዩ ዝውዳእ። ብወግዒ ዝተቐበሉ ስደተኛታት ናይ B መንበሪ ፍቓድ ይወሃቦም።
  • ናይ ስዊዝ መንበሪ ወረቐት/መዕረፊ (መስፈሪ)ፍቓድ ሲ(C) Niederlassungsbewilligung C (Ausweis C)፡ እዚ ፍቓድ እዚ ኣብ ስዊዘርላንድ ን 5 ወይ 10 ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ (ምንባር) እዩ ዝወሃብ። ኣብዚ እውን ን ካብ ሃገራት ኤውሮጳ/ኤፍታ ( EU/EFTA) ን ካብ ሳልሳይ ሃገራት ዝመጹ ሰባት ዝተፈላለየ ቅድመ ኩነት ይሕተት እዩ። ናብ ወጻኢ ሃገር ክትግዕዝ ከለኻ ኣብ ትሕቲ እተወሰነ ዅነታት እቲ ፍቓድ ንኣርባዕተ ዓመት ኪዕቀብ ይከኣል እዩ። ነዚ ዕላማ እዚ ኣመልኪቱ ናብ ቤት ጽሕፈት ስደት ክቐርብ ኣለዎ።
  • ንግዚያዊ ተቐባልነት ዝምልከት መንበሪ ፍቓድ(F): እዚ መንበሪ ፍቓድ ዝወሃቦም ሓተትቲ ዕቕባ ስደተኛታት: ከም ስደተኛታት ብወግዒ ተፈላጥነት ዘይረኸቡ ኮይኖም: ንግዚኡ ክሳብ ኩነታት ከምቲ ዝጠልብዎ ዝኸውን ዕቕባ ዝወሃቡ እዩ። እዚ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ነብሲ ወከፍ ዓመት ክሕደስ ኣለዎ።

ናይ ወጻእተኛታት መለለዪ መንነት

ኣብ ስዊዘርላንድ ዝነብሩ ወጻእተኛታት ናይ ወጻእተኛ ፍቓድ (Ausländerausweis) ይረኽቡ። ዓይነት መለለዪ መንነት ኣብ ዝተፈላለዩ መዐቀኒታት ይምርኮስ። ካብ ወጻኢ ሃገራት ናብ ጀርመን ዝግዕዙ ሰባት ብመልክዕ ክረዲት ካርድ ባዮሜትሪክ መለለዪ መንነት ይረኽቡ። ነዚ ዕላማ ድማ ኣብ እዋን ምዝገባ ኣሰር ኣጻብዕትን ምስልን ይምዝገብ። መንነት ወረቐትካ እንተተሰሪቑ ወይ እንተጠፊኡ ብቕልጡፍ ናብ ፖሊስ ክትሕብር ኣለካ። ብጸብጻብ ክሳራ ካብ ፖሊስን ቅዳሕ ፓስፖርትካ ካብ ዓድኻ ወይ መንነት ወረቐትካ (ን EU/EFTA)፡ ሓድሽ መለለዪ ካርድ ካብ ቤት ጽሕፈት ስደት (Migrationsamt) ክትእዝዝ ትኽእል ኢኻ።

ምንዋሕ ፍቓድ

ከከም ዓይነት መንበሪ ኩነታትን ዜግነትን እቲ መንበሪ ፍቓድ ኣብ ዝተፈላለየ ፍልልይ ክናዋሕ ኣለዎ። ምንዋሕ ኣድላዪ እንተኾይኑ ቅጥዒ (Verfallsanzeige) ይመጸካ። እዚ ቅጥዒ ክምላእ ኣለዎ፣ ብኣስራሒ ክረጋገጽ ኣለዎ ድሕሪኡ ምስ ቅዳሕ ናይ ገዛኻ ፓስፖርት ወይ መንነት ካርድ (ን EU/EFTA) ናብ ቤት ጽሕፈት ስደተኛታት (Migrationsamt) ክለኣኽ ኣለዎ። ዝኾነ ሕቶ ምስ ዝህልወኩም ንቤት ጽሕፈት ስደተኛታት ተወከሱ

ስርዓታዊ ምቕባል ዜግነት

ዝኾነ ሰብ ኣብ ስዊዘርላንድ ንዓሰርተ ዓመት ዝነብር ናይ ፌደራል ናቹራላይዜሽን ፍቓድ ክሓትት ይኽእል። ኣብ ስዊዘርላንድ ካብ 8 ክሳብ 18 ዓመት ዕድመ ዘሕለፍካዮ ዓመታት ብዕጽፊ ይቑጸር። ኣገደስቲ ረቛሒታት ንናቹራላይዜሽን ነቲ ናይ መንበሪ ናይ መወዳእታ ግዜ ከተማልእ፣ ቋንቋ ጀርመን ክትዛረብ፣ ዝተዋሃሃደ ምዃንካን ዕዳ ወይ መዝገብ ገበን ዘይብልካን እዩ።

ዝቐለለ ተቐባልነት ዜግነት

ቀሊል ዝበለ ምቕባል ዜግነት ጥራይ ብፍልይ ዝበሉ ሕጋውያን ኩነታት ቀንዲ ጥራይ ንወጻእተኛታት ሰብ ሓዳር ስዊዘርላንዳውያን ወይ ከኣ ንተወላዲ/ት ካብ ስዊዘርላንድ ዝበቘለ ወለዲ ክፉት እዩ። ተፈጥሮኣዊ ምቕባል ዜግነት ንምቅልጣፍ ኮንፊደሬሽን/መንግስቲ ጥራይ እዩ ብዛዕባኡ ዚውስን።