በዓላት
ህዝባዊ በዓላት ብሕጊ ልክዕ ከም ሰንበት ይኽበሩ። ሓደ ነሃሰ (ሃገራዊ በዓል) ኣብ ምሉእ ስዊስ ብሕጊ ህዝባዊ በዓል ኢዩ። ብተወሳኺ ነብሲ ወከፍ ካንቶን ሾመንተ ካልኦት ህዝባዊ በዓላት ይውስኑ። ኣብ ካንቶን Basel-Stadt ዝስዕቡ መዓልታት ከም በዓላት ብቖዓት ኣለዎም፥ ሓድሽ ዓመት (1 ጥሪ)፣ ዓርቢ ስቕለት (ቅድሚ በዓል ትንሳኤ ዘላ ዓርቢ)፣ ሰኑይ ፋሲካ፣ መዓልቲ ስራሕ (1 ጉንቦት)፣ ዕርገት (ሓሙስ 40 መዓልቲ ድሕሪ ሰንበተ ትንሳኤ)፣ ሰኑይ ጰንጠቆስት፣ ሃገራዊ መዓልቲ ናጽነት (1 ነሃሰ)፣ በዓል ልደት (25 ታሕሳስ)፣ መዓልቲ ስተፋን (26 ታሕሳስ) እዮም።