ሓፈሻዊ ናይ ህጹጽ ምድዋል: 112
በዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪዚ ናይ ፖሊስ ማእከል:የራኽብ። ከከም ኩነታት ሓድጋ:ፖሊስ ከኣ ንዝምልከተን ጨናፍር ይሕብር( ንእብነት: ናይ መጥፋእቲ ሓዊ)
ናይ ሃንደበት ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪ ኩሉ ግዜ 24 ሰዓታት ክፉት ኢዩ። ሓጺር ቁጽሪ ተለፎን( 3 ቁጽሪ) ኩሉ ግዜ ብነጻ ይድወሎ። ንካልእ ቁጽርታት ከም ሕጊ መሰረት ልሙድ ታሪፍ ክፍሊት ይኸፍል።
በዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪዚ ናይ ፖሊስ ማእከል:የራኽብ። ከከም ኩነታት ሓድጋ:ፖሊስ ከኣ ንዝምልከተን ጨናፍር ይሕብር( ንእብነት: ናይ መጥፋእቲ ሓዊ)
በዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪዚ ናይ ፖሊስ ማእከል:የራኽብ።
በዚ ናይ ህጹጽ ሓደጋ መደወሊ ቁጽሪዚ ናይ መጥፋእቲ ሓዊ ሰራሕተኛታት ማእከል የራኽብ።
በዚ ቁጽሪዚ: ናይ ቀዳማይ ረዲኤት ሰራሕተኛታት መእከል የራኽብ። ናይ መደወሊ ቁጽሪ 144 ህጹጽ ሓገዝን ናይ ሕክምና መኪና/ኣምቡላንስ ትጠልበሉ ኮይኑ: እቲ ኩነታት ኣስጋኢን ክትግምቶ ዘጸግምን ምስዝኸውን ኢዩ። ( ንኣብነት: ኣብ ዓቢ ሓደጋ):: ናይ መድሃኒት ሓገዝ ኣብ ዘድልየሉ ግዜ: ናብ ናይ ገዛ ሓኪም ብቅዳምነት ምውካስ የድሊ። ካብቲ ናይ ሓፈሻዊ ሓካይም ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ፡ ኣብ ዝኾነ እዋን ኣብ ዘየስግእ ኩነታት ናብ ማእከል ህጹጽ ጻውዒት ሕክምና (Medizinische Notrufzentrale, MNZ) ብስልኪ ቁጽሪ 061 261 15 15 ክትድውሉ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብኡ ሕክምናዊ ምኽሪ ክትረኽቡን ናብቲ ቅኑዕን ዝቐረበን ቦታ (ዶክተር፡ ሆስፒታል) ክትመሓላለፉ ኢኹም። ባዕልኻ ናብ መደበር ህጹጽ ረድኤት (ሆስፒታል/ህጹጽ ልምምድ) ምብጻሕ እውን ይከኣል እዩ።
ኣብ Basel-Stadt ዝርከብ ናይ ህጹጽ ፋርማሲ (Notfallapotheke) በዚ ቁጽሪ ክትረኽብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ Petersgraben 3 ዝርከብ ናይ ህጹጽ እዋን ፋርማሲ ኩሉ ግዜ ለይትን ኣብ ሰሙን ዕረፍቲን ክፉት ስለዝኾነ ኣብ ህጹጽ እዋን መድሃኒት ክትረኽቡ ትኽእሉ ኢኹም።
ሓደጋ ስኒ ምስ ዘጋጥም ብቕልጡፍ ናብ ሓኪም ስኒኻ ደውል። ካብ ናይ ስራሕ ሰዓታት ወጻኢ፡ ናብ ማእከል ህጹጽ ጻውዒት ሕክምና (MNZ) ብ 061 261 15 15 ተወከሱ። እዚ ቁጽሪ እዚ ኣብ ካንቶን Basel-Stadt ኣየናይ ሓኪም ስኒ ህጹጽ ኣገልግሎት ከም ዘለዎ ይሕብረካ።
ሓደ ሰብ ብመርዚ ምስዝምረዝ: ወይ ዝተበከለ ኮይኑ ምስዝስምዖ: በዚ ቁጽሪዚ ናይ ሓኪም ወይ ክኢላ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል። ነዚ ምምራዝ ወይ ምብካል ዝምልከት እንታይ ክግበር ከምዘለዎ ይሕብሩን ይሕግዙን። ንሂወት ኣስጋኢ ኣብ ዝኾነሉ ኣጋጣሚ ግን ቀልጢፍካ: 144 ምድዋል የድሊ። ኣብ ናይ ኢንተርነት ኣድራሻ ብዛዕባ ምምራዝ/ምብካል ብዙሕ ሓበሬታ ይርከብ።
"ቁጽሪ ተለፎን143" (ዝተቐረበ ኢድ , Dargebotene Hand) ንብዛዕባ ጸገሞም: እንታይነቱ ብዘየገድስ: ምስ ዝኾነ ሰብ ክዘራረቡን ክመያየጡን ዝደልዩ ሰባት (ብጀርመንኛ: ብፈረንሳይ: ብጣልያንኛን እንግሊዝኛን) የገልግል። ሰብ ኣብ ኣዝዩ ኣሸጋሪ ኩነታትን: ኣብ ግዜ ሻቕሎትን ናብዚ ቁጽሪ ደዊሉ ሓገዝ ክረክብ ይኽእል። ኢ ኣብዚ ዝግበር ዝርርብ: ብምስጢር ብምትእምማንን: ብዝኾነ ዛዕባን ኢዩ። ከከም ኣድላይነቱ ከኣ ሰብ ንዕኡ ዝሰማማዕ ምኽሪን ሓበሬታን ይወሃቦ። ነዚ ዝምልከት ዝርርብ ብተለፎን: ብመይል/መልእኽቲ ወይ ብ SMS ብቻት ክግበር ይከኣል።
ቁጽሪ ተለፎን 147 ንቆልዑትን መንእሰያትን: ዝተፈላለየ ዓይነት ጸገማቶም: ምስ ዝምልከቶም ክኢላታት ክዛረብሉ( ብጀርመን: ፈረንሳይ ወይ ጣልያን) ዘኽእል ኢዩ። ኣብ ናይ ኣዝዩ ሽግር ወይ ኣጸጋሚ ኩነታት በዚ ክድወል ይከኣል። በዚ ቁጽሪ ክኢላታት 24 ሰዓታት ክርከቡ ይከኣል። እቲ ዝግበር ዝርርብ ብእምነትን: ብምስጢር ዝተሓዝን ኢዩ። እቲ ዝርርብ ተሌፎን ነጻ እዩ ከምኡ ድማ ኣብቲ ጸብጻብ ተሌፎን ኣይክመጽእን እዩ። ነዚ ዝምልከት ዝርርብ ብተለፎን: ብመይል/መልእኽቲ ወይ ብ SMS ብቻት ክግበር ይከእል።
ናይ ወለዲ ህጹጽ መደወሊ ቁጽሪ (Elternnotruf) : ክኢላታት ንወለዲ ወይ ካልኦት ሰባት: ብዛዕባ ኣተዓባብያ ቆልዑት ዝምልከት ሕቶታት ዝምልስሉ ኢዩ። ኣብዚ ወለዲ ኣብ ልዕሊ ደቆም ካብ መጠን ንላዕሊ ጸቕጢ ወይ ልዕሊ ዓቕሞም ዝእዝዝዎም ዘለዉ ኮይኑ ምስዝስምዖም ወይ ካብ ካልኦት ቆልዑት ዝተሓቱ ምስዝመስልዎም: ንክኢላታት ይውከሱ። ኣብዚ ቁጽሪ ሰብ ገለ ቆልዑት ግዳያት ናይ ስነ-ኣእምሮእዊ ጸቕጢ ወይ ኣካልዊ ጸቕጢ ኮይኖም ዘለዉ ኮይኑ ምስዝስምዖ ክውከስ ይከኣል። እቲ ዝግበር ዝርርብ ብእምነትን: ብምስጢር ዝተሓዝን ኢዩ። ነዚ ዝምልከት ዝርርብ ብተለፎን: ብመይል/መልእኽቲ። ንመድሃኒት ዝምልከት ጉዳይ እዚ ቁጽሪ ዝኾነ ሓበሬታ የብሉን።
ናይ ደቀንስትዮ መዕቆቢ ገዛ (Frauenhaus) ባይደር ባሰል: ንካብ ገዝአ ብሰንኪ ጎነጽ ወይ ግጭት ዝወጽኣ ደቀንስትዮ 24 ሰዓታት ምሉእ: ናይ ምኽሪን ሓገዝን ኣገልግሎት ይህብ። መቕርብን ክኢላታትን ኣብዚ ክውከሱ ይከኣል። እቲ ዝግበር ዝርርብ: ናይ ምትእምማንን ኣብ ዝደላኻዮን ይካየድ። ኣብዚ ክትውከስ ምስትደሊ: መልእኽቲ ብምጽሓፍ ክኸውን ይከኣል። ንኣብ ገዛ ዘጋጥም ግጭትን ጎነጽን ዝምልከት: ብዛዕባ ግዳያት ዝኾኑ ሰብኡትውን: መወከሲ ሓበሬታን: ቀጻሊ መስርሕን ኣብ ምዕራፍ ዜበታዊ ዓመጽ (Häusliche Gewalt) ኣብ hallo-baselstadt.ch ምውካስ ይከኣል።