መሰል ነባሪ

ውልቃዊ ምኽሪ ምርካብ ኣገዳሲ እዩ! ኣብ ወኪል ደገፍ ግዳይ (Opferhilfe) ንገለ-ሰብ ምዝራብ፣ ናይቲ ነባሪ መሰል ናብ ዘጥፍእ ብጭራሽ ኣየምርሕን። እቲ ዝርርብ ምስጢራዊ እዩ። እቲ ወኪል ደገፍ ግዳይ ንማንም ሰብ ኣይነግርን።

ብሰንኪ ዘቤታዊ ዓመጽ እንተድኣ መሰል ነባሪ ተፈልዩ

እንተዳኣ ሓደ ሰብ ብመሰረት መርዓ ኣብ ስዊዘርላንድ እንተድኣ ሃልዩ እሞ ዘቤታዊ ጎነጽ ኣጋጢሙዎ፣ እዚ ሰብ በቲ ኩነታት መሰረት ድሕሪ ምፍልላይ'ዉን እንተኾነ ኣብ ስዊዘርላንድ ክጸንሕ ይኽእል እዩ። ኩሉ ኩነታት ዝተፈለየ እዩ። ስለዚ ኽኣ እዩ ምኽሪ ምድላይ ኣገዳሲ ዝኾነ።

ደገፍ ግዳይ (Opferhilfe) ደገፍ ከቅርብ ይኽእል። እቲ ፍሉይ በዓል ሞያ ህሉው ሕጋዊ ኩነታት ይገልጽን ኣብ ቀጻሊ ደረጃታቶም ነቲ ግዳይ ይድግፍ። ምኽሪ ካብ ክፍሊት ናጻን ምስጢራዉን እዩ። ተርጓማይ ይካኣል እዩ።

ዓመጽ ምስናድ

ንዘቤታዊ ዓመጽ ሓገዝ ንምርካብ ኣገዳሲ እዩ። ንኣብነት፦ ስእልታት መጉዳእትታት፣ ናይ ምሕዳዳት ወይ ዓመጽ ስክሪንሾት ኣብ WhatsApp፣ Facebook ወዘተ። እቲ መርትዖ ኣብ ዉሑስ ዝኾነ ቦታ ክቕመጥ ኣለዎ። ንኣብነት፣ ኣብ ገዛ ዓርኪ ወይ ስራሕ።

ከምኡ'ዉን ብዛዕባ እቲ ዓመጽ ኣብ ከባቢ ዘለው ሰባት ክፈልጥዎ ምግባር ጽቡቕ እዩ። ንኣብነት፣ ካብ ጉጅለ ኣዕሩኽ፣ ስራሕ፣ ጎረቤት ወይ ቤት ትምህርቲ ዝኾነ ሓደ ሰብ።