ሃይማኖትን ሃገርን
ስዊዘርላንድ ብባህሊ ብሃይማኖት ክርስትና እያ ትቕረጽ። እተን ካንቶናት ኣብ መንጎ ሃይማኖትን መንግስትን ዘሎ ርክብ ይውስና እየን። ከም መብዛሕትአን ካንቶናት ስዊዘርላንድ-ጀርመን፡ ካንቶን Basel-Stadt ንገለ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት ከም ትካላት ህዝባዊ ሕጊ ኣፍልጦ ትህብ። እዚ ማለት መንግስቲ ዝተወሰኑ መሰላት የሰጋግሮም ማለት እዩ። ንኣብነት ኣብ ልዕሊ ኣባላቶም ግብሪ ክኸፍሉ ይኽእሉ እዮም። ኣብ ካንቶን Basel-Stadt ብመሰረት ህዝባዊ ሕጊ ኣፍልጦ ዝወሃቦም እዞም ዝስዕቡ ሃይማኖታዊ ማሕበረሰባት እዮም፡ ወንጌላዊት ተሃድሶ ቤተክርስትያን፡ ሮማዊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን፡ ኣረጊት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያንን ማሕበረሰብ ኣይሁድን እዮም። ገለ ካልኦት ማሕበረሰባት ብካንቶን ኣፍልጦ ይወሃቦም። እዚኦም ብሕታዊ ሕጊ ዝተወደቡ እዮም።